Zum Inhalt Zum Hauptmenü Zur Suche Zum Footer

ናብ ታሪኻዊ ቤተ-መዘክር ፍራንክፈርት እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

ኣድራሻና፦
ታሪኻዊ ቤተ-መዘክር ፍራንክፈርት
Saalhof 1
60311 Frankfurt am Main
 
ንኽትበጽሑና ህዝባዊ መጓዓዝያ እንተተጠቐምኩም ዝበለጸ እዩ።
 
መራኸቢታት መስመር መጓዓዝያ
ናይ ትሕተ-ባይታ (U-Bahn) መስመራት፣ U4, U5 (Dom/Römer), ናይ ትራም መስመራት 11, 12 (Römer/Paulskirche)
ካብ’ዞም ፌርማታታት ናይ ኣስታት 5 ደቓይቕ መገዲ እግሪ፣ ናብ ኣንፈት ሪቨር መይን ገጽኩም ኣንፈት ብምሓዝ፣ ንሮምበርግ ተሳገርዎ
ኣገልግሎታት ፈኲስ ሓዲድ (S-Bahn)
 
መዐሸጊ መካይን
Dom Römer, Domstr. 1
Alt-Sachsenhausen district: Walter-Kolb-St. 16 (B43)
Hauptwache: Kornmarkt 10
 
ናይ ተጠቃምነት ዕድል
ብዛዕባ ቤተ-መዘክርና ዝህቦ ናይ ተጠቃምነት ዕድል ብዝምልከት ሓበሬታ ምስእትደልዩ፡ ኣብ’ዚ ብቛንቋ እንግሊዝ ዝተዳለወ ጽሑፍ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።
 
ዝኽፈተሎም ሰዓታት

ሰኑይ፦ ዕጹው
ሰሉስ ክሳብ ሰንበት፦ 10 ቅ.ቀ. – 5 ድ.ቀ.
ረቡዕ፦ 10 ቅ.ቀ. – 9 ድ.ቀ.
 
ኣብ ወግዓውያን በዓላት እንኸፍተሎም እዋናት
01 ግንቦት (መዓልቲ ሰራሕተኛታት)፦ 10 ቅ.ቀ. – 5 ድ.ቀ.
05 ግንቦት (ዕርገት)፦ 10 ቅ.ቀ. – 5 ድ.ቀ.
15 ግንቦት (ሰንበት ምውራድ መንፈስ ቅዱስ)፦ 10 ቅ.ቀ. – 5 ድ.ቀ.
16 ግንቦት (ሰኑይ ምውራድ መንፈስ ቅዱስ)፦ 10 ቅ.ቀ. – 5 ድ.ቀ.
17 ግንቦት (ሃገራዊ በዓል Wäldchestag)፦ 10 ቅ.ቀ. – 5 ድ.ቀ.
26 ግንቦት (ኮርፓስ ክሪስቲ)፦ 10 ቅ.ቀ. – 5 ድ.ቀ.
03 ጥቅምቲ (መዓልቲ ዳግማይ ሕብረት ጀርመን) ፦ 10 ቅ.ቀ. – 5 ድ.ቀ.
24 ታሕሳስ (ድሮ ልደት)፦ ዕጹው
25 ታሕሳስ (ልደት ክርስቶስ)፦ 10 ቅ.ቀ. – 5 ድ.ቀ.
26 ታሕሳስ (ጽባሕ ልደት) ፦ 10 ቅ.ቀ. – 5 ድ.ቀ.
31 ታሕሳስ (ድሮ ሓድሽ ዓመት) 10 ቅ.ቀ. – 4 ድ.ቀ.
01 ጥሪ (ሓድሽ ዓመት) 11 ቅ.ቀ. – 5 ድ.ቀ.

መእተዊ ክፍሊታት

ቀለስቲ ኣብ ዝመርሕዎ ናይ ምብጻሕ ጕዕዞ ንምስታፍ ተመዝገቡ
ክፍሊ ኣገልግሎት በጻሕቲ ናይ ትካልና፡ ቀለስቲ ንዝመርሕዎ ናይ ምብጻሕ ጕዕዞ (ዝለዓለ ቍጽሪ ሰባት 20 ምዃኑ እዩ) ብዝምልከት ሕጉስ ኰይኑ ምኽሪ ክህበኩም እዩ።
ክፍሊ ኣገልግሎት በጻሕቲ
ሱዘይን ኣንገተር
ሰኑይ ክሳብ ሓሙስ፦  10 ቅ.ቀ. – 3:30 ድ.ቀ.
ተሌ.፦ +49 (0)69 21235154
ፋክስ፦ +49 (0)69 21242078
ኢ-መይል፦ besucherservice.historisches-museum@stadt-frankfurt.de
ወይ ድማ ነቲ ንቀለስቲ ዝመርሕዎ ናይ ምብጻሕ ጕዕዞ ዝምልከት መሕተቲ ቅጥዕና ተጠቐሙሉ።
ከምኡ’ውን ነቶም ቀለስቲ ዝመርሕዎም ናይ ምብጻሕ ፕሮግራማትና ንዘስፈረ ሰነድና ብመልክዕ ረቂቕ ቅዳሕ ከተውርድዎን ክትሓትምዎን ትኽእሉ ኢኹም(pdf, 170 KB)።
 
ድኳን ቤት-መዘክር
ናይ ቤተ-መዘክርና ድኳን ኣብ’ቲ መጀመርታ እትኣትዉሉ መቐበሊ ክፍሊ እዩ ዝርከብ።  ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ንቤተ-መዘክርን ምርኢታትን ዝምልከቱ ካታሎጋት ኰኑ ሕትመታት፡ ምስ ቤተ-መዘክርን ምርኢታቱን ዝተኣሳሰሩ ተወሰኽቲ ፍርያታትን ዓይነታት ህያብን ክትረኽቡ ኢኹም።  እዚ ድኳን እዚ ሓያለይ ካርተሊናታትን ህያባትን እውን ንመሸጣ ይቕርብ።
 
ቤት-ሻሂ ናይ ቤተ-መዘክር
እቲ ባህ ዘብል ናይ ቤተ-መዘክርና ቤት-ሻሂ፡ ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ድዩስ ኣብ ቴራሶ ናይ ቤተ-መዘክር ውዑያትን ዝሑላትን ቍርስታት የአንግድ። 
ቅቡል ትኬት ክሳብ ዝሃለወኩም፡ ቤተ-መዘክር ኣብ ዝኽፈተሎም ሰዓታት ኣብ’ዚ ቤት-ሻሂ ብናጻ ክትእንገዱ ትኽእሉ ኢኹም።